Skip to content

ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘትዩ።

October 19, 2009

ብሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ተጋቢኡ ዝወዓለ፣ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘትዩ። እዞም ብምኽንያት መበል 40 ዓመት ስልጣን ሙዓመር ቐዛፊ ዝተኣከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ግርጭት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን፣ ሰላማዊ መፍትሒ ዝርከበሉ መንገዲ ምጽናዕን፣ ጉዳያቶም ባዕሎም ክፈትሑ ክጽዕሩን ከምዝግባእ ዘዛኻኽር ኣኼባ እዮም ኣካዪዶም።
መራሒ ሊብያ ሙዓመር ቐዛፊ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፣ ኢትዮጵያ ‘ልዝብ’ ዝብል ቅድመ ኩነት ገዲፋ፣ ናብቲ ተሪፉ ዘሎ ምሕንጻጽ ዶብ ክትሰግር ጸዊዑ። ንሱ ብተወሳኺ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ወተሃደራዊ ተጻብኦ’ኳ እንተዘየለ፣ ከም ተጻዊዱ ዘሎ ብሰዓት ዝትኮስ ቦምብ፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ክነቱግ ከምዝኽእል ገሊጹ።
ክልቲኤን ሃገራት፣ ጉዳየን ኣብ ኣጀንዳ’ቲ ዋዕላ ከይኣቱ ሓቲተን ኔረን። እንተኾነ መራሒ ሊብያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎአን ኣቲዩ ነባሪ ፍታሕ ከናዲ መሰል ከምዘለዎ ሓቢሩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘይ ፍቓድ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ኢዱ ከእቱ ዘይክእል’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ንዘጋጥም ግርጭት ግን፣ ዓይኑ እንዳረኣየ ሱቕ ክብል ከምዘይክእል ገሊጹ። ቀጺሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቲ ተሪፉ ዘሎ ምሕንጻጽ ዶብ ኣብ ባይታ፣ ክሰግር ጸዊዑ።
ኣብቲ ዋዕላ፣ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዣን ፒንግ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምቲ ዝድለ ብዘይምስጓሙ ከምዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ፣ ንሱ ከይተፈጸመ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዝረአ ዘሎ ምፍሕፋሕ ብእዋኑ መግትኢ ክግበረሉ ጸዊዑ።
ሙዓመር ቐዛፊ ኣብ መወዳእታ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ድኽነት ክወጻ ብምሉእ ዓቕመን ኣብ ዝቃለሳሉ ዘለዋ እዋን፣ ሃገራት ምዕራብ ድማ ንኣፍሪቃ ዝምዝምዛሉ መንገዲ ብምንዳይ ናይ 100 ዓመት መደብ ሓንጺጸን ይጎዓዛ ከምዘለዋ ገሊጹ።

Advertisements
2 Comments leave one →
  1. abraham permalink
    October 11, 2010 9:40 am

    phone number yihalikum

  2. viviana amanuel permalink
    January 1, 2011 8:28 am

    ጽብቕ ርእይቶን እዋን ዘኣኸለ እዋናዊ ሓሳብ ፣ ልቢ ክገበሩ ‘ዮም መስለኒ መራሕቲ ሕእገራት ኣፍሪቃ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

%d bloggers like this: