Skip to content

ምስ ኣውስትራልያዊ ትካል ዕደና ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐቲሎም

October 14, 2009

Chalice Gold Mines Limited ምስ ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ትካል ዕደና ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰለስተ ኤርትራውያን ብቶኽሲ ተቐቲሎም።
ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ወርቂ ተዋፊሩ ምስ ዘሎ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዕደና Chalice Gold Mines Limited ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ካብቲ ንሱ ዘሰላስሎ ዘሎ ፕሮጀክት ዕደና ወርቂ ዛራ 110 ኪሎ ሜትር ንደቡብ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብቶኽሲ ከምዝተቐትሉ ንመግለጺ ናይቲ ኩባንያ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ።
ክልተ ካብቶም ተቐቲሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ኮንትራክተራት ናይቲ ኩባንያ እዮም።
ቅትለት ናይቶም ናይ ዕደና ሰራሕተኛታት ሓደ ካልእ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ኣብ ኤርትራ ዕደናዊ ስርሓት ከካይድ ብመንግስቲ ኤርትራ ሰለስተ ፍቓድ ወይ ሊቸንሳ ድሕሪ ምፍርራሙ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ ዘጋጥም ዘሎ።
ብመሰረት ‘ቲ ናይ ሮይተርስ ሓበሬታ፡ ፕሮጀክት ዕደና ዛራ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ዕደናዊ ፕሮጀክትታት ኤርትራ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መጽናዕቲ ዝርከብ ኩባንያ ቅድሚ 2011 ፍርያት ክጅምር ትጽቢት ኣይግበረሉን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ ደርዘን ዝኾና ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዕደና ኣብ ኤርትራ ተዋፊረን ኣለዋ።

Advertisements
No comments yet

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

%d bloggers like this: